Maranatha Eritrean Church Chicago


layout: defualt title: “Mission” —

3.1 ሰባት እቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝርከብ ዘልኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ፡ ሓቀኛ ቃል ወንጌል ምብሳር 3.2 ነቶም ብወንጌል ኣሚኖም ምድሓን ዝረኸቡ፡ ብቃል ኣምላኽን ብጸሎትን ብሕብረት ኣሕዋትን መታን ክዓብዩ፡ ቅኑዕን መሰረታውን ትምህርቲ ክርስቶስ (ክርስትና) ምምሃር፡ ናይ ጸሎትን ናይ ሕብረትን መኣድታት ምድላው፥ 3.3 ናብ እግዚኣብሄር ብኣምልኾ፡ ብምስጋና፡ ብውዳሰ፡ ብጸሎት፡ ብልመናን ብምምላድን ምቕራብ 3.4 ብሂወቶም ንጐይታ የሱስ ዝመስሉ ደቀ መዛሙርቲ ምፍራይ፡ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝፈጠሮም ዕላማ ንክረኽብዎን ክነብሩሉን ምምሃርን ምርዳእን ምትብባዕን 3.5 ብናይ ክርስቶስ ጽድቅን ቅድስናን ንክነብሩ ምምሃርን ምምዓድን 3.6 ብእምነት ብተስፋ ብፍቅሪ ክህነጹ ምምዓድን ምጽዓትን 3.7 ንመእመናታ ካብ ትምህርቲ ስሕተት ምሕላውን 3.8 ነቶም ብትምህርቲ ክርስቶስን መንፈሳዊ ሂወትን ዝዓበዩን ዝደልደሉን በብጸግኦም ናብ ኣገልግሎት ምውፋርን ዝግብኦም ፍቕርን ክብሪን ምሃብን ምእዛዝን
3.9 ንዝተሸገሩ ምእመናን ከም ዓቕማ ምርዳእን ምሕጋዝን